Tigrinja:  ኣብዚ ገዛውቲ ሓድሽ ዲኻ፧

To barn som sorterer avfallet i forskjellige dunker

ጓሓፍ እብ ሪንግሳከር፣ሃማር፣ስታንገን ሎተን ኮሙነን ከመይ ጌርካ ከምትተሓሓዞ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ Sirukla IKS(ሲርኩላ ኢኮአስ) ጓሓፍካ ዝኣልዩልካ ትካል ብምምዝጋብካ እንቋዕ ኣብቅዐካ ክንብለካ ንፈቱ። ዝድርበ ጓሓፍ ሓድሽ ነገራት ንምፍራይ ክንጥቀመሉ ንኽእል። ብኸምኡ ኢና ብዝተኻእለና መጠን ንፈላልዮ። ንኣብነት ዝተጓሕፈ ወረቐት ከም ብሓድሽ ወረቐት ክስራሕ ይኽእል፣ ጥርሙዝ መልመላታ ከም ብሓድሽ ጥርሙዝ ክስራሕ ይከኣል፣ ታኒካ ሓጺን ከኣ ሓድሽ ታኒካ ሓጺን ወይ ንኣብነት ብሽግለታ ክትከውን ትኽእል። ነዚ ጸጋታት ኣብ ጓሓፍ መሊሽና ክንጥቀመሉ እንተክኢልና ኣብ ምድሪ ዘሎ ጥረነገራት ብምቑጣብ ንዓናን ንዝመጽእ ወለዶታትን ክንጥቀመሉ ንኽእል።

ኣብ ሪንሳከር፣ሃማር፣ስታንገን ሎተን ኮሙነ ኣተሓሕዛ/ኣተኣላልያ ጓሓፍ ንኩሉ ገዛውቲ ሓደ እዩ፣ ነዚ ዝገብርዎ ከኣ ሲርኩላ እዮም። ነፍስ ወከፍ ቤት ዓመታዊ ሓንሳብ ክፍሊት ጓሓፍ ትኸፍል፣ እዚ ከኣ እዚ ዝስዕብ የጠቓልል፣

ካብ ገዛ ጓሓፍ ምውሳድ

ካብ ገዛኻ ሓሙሽተ ዓይነት ጓሓፍ ንወስድ:  መግቢ፣ ፕላስቲክ፣ ወረቐት፣ ተረፍ መረፍ፣ መዕሸጊ ብጥርሙዝ/ብሓጺን ዝተሰርሐ

ኣብ ገዛኻ ዝርከበሉ ቦታ ነዚ ዝኸውን ዝተፈላለየ  ባጎኒታት ክህሉ ኣሎዎ። እዚ ባጎኒታት ብሲርኩላ ይውነንን ይጽገንን፣ ምስቲ ትቕመጠሉ ዓይነት ቤት ዝኸይድ እዩ ድማ። ኣብ ቡረትስላግ፣ ህንጻ ወይ ተመሳሳሊ ንዝቕመጡ ናይ ሓባር ባጎኒታት ክህልዎም ይኽእል።

እተን ልሙዳት ባጎኒታት መኽደኒአን ከከም ዓይነት ጓሓፍ ዝተፈላለየ ሕብርታት ኣለወን። ዓቢ ፌስታል ውን ኣሎ ፕላስቲክ ተረክበሉ።

Avfallsbeholder for papir, matavfall, restavfall, glass- og metallemballasje og plastsekk for plast

አነቡሊግ(ቪላ) ዝዓይነቱ ገዛ ኣርባዕተ ባጎኒታትን ሓደ ዓቢ ፌስታል እዩ ዘለዎ።

Renovatør som tømmer papir- og matavfallsdunker i to-kamret renovasjonsbil 

 ባጎኒታትን ዓቢ ፌስታልን ትሕዝቶኡ ዝውሰደሉ መዓልታት ብዝሕታቱ ይፈላለ እዩ፣

  • ዝጓሓፍ መግቢ( ቡናዊ መኽደኒ) ኣብ ከክልተ ሰሙን ይውሰድ።
  • ፕላስቲክ ( ግሉጽ ፌስታል)፣ ወረቐት( ሰምያዊ መኽደኒ) ተረፍ መረፍን (ሓሙኽሽታዊ መኽደኒ) ኣብ 4 ሰሙን ይወሰድ።
  •   ብጥርሙዝን ሓጺንን ዝተሰርሐ ከኣ ኣብ 8 ሳምንታት ይውሰድ።

እዚ ዝተፈላለየ ባጎኒታት ትሕዝቶኡ ዝውስደሉ መዓልታት ኣብ Tømmekalenderen( ጓሓፍ ዝውሰደሉ ካለንደር) ኣብዚ ክትርኢ ትኽእል - www.sirkula.no

ባጎኒታት/ዓቢፌስታል ትሕዝቶኡ ክውሰድ  ምሸት ድሮ ዝውሰደሉ መዓልቲ ተቐሪቡ ይጸንሕ።

Brun plastpose til matavfall og en rull med slike poser 

 

ዝጓሓፍ መግቢ  ኣብ ናይ በይኑ ቡናዊ ፌስታላት ይኣቱ ቅድሚ ኣብ ባጎኒ ምድርባዩ። ነቲ ፌስታል ጽቡቕ ጌርካ ክትኣስሮ ከምዘለካ ኣይትረስዕ።

ሓደስቲ ፌስታላት ንመግቢ ወይ ጎሞታት ከመይ ጌርካ ከምትረክብ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።

Handlepose knyttet på håndtak restavfallsbeholder og brun matavfallspose knyttet på håndtak til matavfallsdunk

  ንፕላስቲክ ሞግሓፊ ዓበይቲ ፌስታላት ክውደኣካ ከሎ፣ ኣብቲ ባጎኒ ጥርሓ ዝኾነት ፌስታል እሰር እሞ ቅድሚ ጓሓፍ ምውሳዶም፣  ሽዑ ሓድሽ ጥቕላል ዓበይቲ ፌስታላት ክገድፉልካ እዮም። ( ናይ ድኳን ኖርማል ፌስታል ወይ ካልእ ዓይነት ፌስታል ብጎማ ዝተሰርሐ ተጠቐም)። ሰራሕተኛ ጓሓፍ ሽዑ ጓሓፍ ክወስዶ ክመጽእ ከሎ ሓደስቲ ዓበይቲ ፌስታላት ይዕድለኩም። ምስ ተዋህበካ ከኣ እታ ዝኣሰርካያ ፌስታል ክትኣልያ ከምዘለካ ኣይትረስዓዮ።

ቡናዊ ፌስታላት ሞግሓፊ መግቢ ክውደኣካ ከሎ ኸኣ ቅድሚ ጓሓፍ ምውሳዶም ኣብቲ ባጎኒ ቡናዊ ናይ መግቢ ፊስታል እሰረላ እሞ ሽዑ ሓደስቲ ክገድፉልካ እዮም።

ብጀካ እዚ ውን ኣብ ነቑጣ ጓሓፍ፣ ኣብ ናይ ኮሙነ ቤት ጽሕፈት ሰርቪስን ንፕላስቲክን መግብን ዝኸውን መጉሓፊ ፌስታላት ይወሃበካ እዩ።

ነቑጣታት ጓሓፍ(የንቪኒንግስ-ስታሹን)

Gjenvinningsstasjonen i Brumunddal sett fra inngangsparti

ኣብ ሰራሕተኛታት ዘለዎ ነቑጣታት ጓሓፍ ክፉት ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ዝኾነ ዓይነት ጓሓፍ ከተረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ብጀካ ዝጓሓፍ መግቢ። ብፍላይ ሓደገኛ ትሕዝቶ ዘለዎ ጓሓፍ ጥዕናናን ኣከባቢናን ከይህሲ ምእንታን ኣብ ነቑጣ ጓሓፍ ክተብጽሖ ኣገዳሲ እዩ።  ሓደገኛ ጓሓፍ ክበሃል ከሎ ንኣብነት ከም በዓል ባተሪ፣ ኣምፑላት፣ ቀለም፣ ዕትሮ ጋዝ፣ ዘይቲ፣  ቀመማትጸረ-ሓሳኻን ጻህያይን፣ ሞባይላት፣ ኳሬንቲታት፣ አለክትሮኒክን ካልእ ፍርያትን አለክትሪክ።

Bilde av rød beholder for farlig avfall

ሓደገኛ ጓሓፍ ንምጕሓፍ፡ ነቲ ቐይሕ ፌስታል ተጠቐም።


ብሕታዊ ገዛታት ኣብ ነቑጣ ጓሓፍ ክጉሕፋ ዝኾነ ተወሳኺ ገንዘብ ኣይከፍላን እየን፣ ብጀካ ዝጓሓፍ ተረፍ መረፍ። ኣብ sirkula.no ኣቲኻ፡ ብዛዕባ እቲ ኽፍሊት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።


ኣብ ነቝጣ ጓሓፍ፡ ንመጕሓፊ ተረፍ መረፍ ዚኸውን ግሉጽ ፌስታል ተጠቐም። ከምዚ ዓይነት ፌስታላት፡ ኣብ ድኳናት ወይ ኣብ ሲርኩላ ክትዕድጎ ትኽእል ኢኻ።

ክትከዶ ትኽእል ቦታታት፣

Kretsløpsparken gjenvinningsstasjon, Arnkvernvegen 169, Hamar/Furnes 

Brumunddal gjenvinningsstasjon, Jemtlandsvegen 11, Brumunddal

Moelv gjenvinningsstasjon, Industrivegen 14, Moelv

Stange gjenvinningsstasjonHansrudvegen 1, Stange

Heggvin gjenvinningsstasjon og avfallsanlegg, Arnsetvegen 41, Vang på Hedmarken

Sirkula administrasjon, Arnkvernvegen 169, Hamar/Furnes 

ነቑጣታት ጓሓፍ ዝኽፈተሉ ግዜታት ኣብዚ ክትርእዮ ትኽእል፣ www.sirkula.no

 ጓሓፍ ብምፍልላይኩም ነመስግን !

ኣብዚ ኣቲኻ ጓሓፍ ንምፍልላይ ሓገዝ ርከብ www.sirkula.no

 ኣብዚ መፈላለዪ ጓሓፍ ሊስታ ን 2018 እንሀለ.pdf

Min Renovasjon ትብል ኣፕሊከሽን ጽዒንካ ጓሓፍ ዝውሰደሉ መዓልታት ኣቐዲሙ ክምዝሕበረካ ግበር። (IOS - Android)

Sirkula IKS

ኣድራሻ: Postboks 3, 2301 Hamar

ተለፎን: 62 54 37 00

ኢመይል: post@sirkula.no

ወብሳይት: www.sirkula.no

Fant du det du lette etter?

Takk for din tilbakemelding

Vi vil bruke din og andres tilbakemelding for å kontinuerlig forbedre denne siden.

Hva forsøkte du å finne?